ድሕረ ባይታ (ታሪኽ)ማሕበርና፦

ናብዚ ሃገር ዝመጹ ሰባት (ዝተሓወሱ)ዉሑድ ናይ ጀርመን ቋንቋ ክእለት ስለዝዉንኑ፣ ምስ መንግስታዊያን ትካላት ዝህልዉ ኩነት፣ ምስ ጥዕና ዝተሓሓዙ ጉዳያት፣ ምስ ትምህርታዊን ሕ/ሰብኣዊን ዝኣመሰሉ ዝካየዱ ንጥፈታት፡ ኣብ ቋንቋ ንኽረዳድኡ ክኽእሉ ምሕጋዝ ዝብል እዩ።

ምስኡ ማዕረ ማዕረ እተን መንግስታዉያን ትካላት፣ ማለት ተቀበልቲ ሕ/ሰብ፣ ኣብ ቋንቋ ይኹን ባህላዊ ጉዳያት ዝካየድ ናይ መቀራረቢ ባይታ ይፍጠረለን ኣሎ ማለት እዩ። ኣብ 2016 እቲ ናይ ኢሃካ ብሰርቲፊኬት መልክዕ ዝወሃብ ትምህርቲ ስልጠና፣ ነቶም ነዚ ዓይነት ስራሕ ወይከኣ ሰባት ንኸረዳድኡ ዝሕግዙ ሰባት፣ ብቋንቋ ኪኢላታት ክኾኑ መእታን እዚ ዓይነት ስልጠና ተጀሚሩ። እዚ ዝወሃብ ትምህርቲ ስልጠና ንዚተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዛረቡ፣ ብቅዓት ንኽህልዎም ይገብር፣ ኣብ መንግስታዉያንን ሕ/ሰብኣዊያን ትካላት እቶ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ብግቡእን ብቅዓትን ክሕገዙ ይኽእሉ።

ማሕበረሰብ ተርጓማይ ማለት ንሰባት ኣብ መዓልታዊ ዝግበሩ ንጥፈታት ምስናይ ማለት እዩ። እዚ ማለት ምስ ሳልሳይ ኣካል ኣብ ዝግበሩ ዘረባታት ይኹን ከምኡዉን ጹሑፋት፣ ንኽረዳድኡ ዘኽእል እዩ። እዚ ዝወሃብ ኣስተምህሮ/ስልጠና፣ ኣብ ምሕያል ብቅዓቶም፡ ንዝወሃቦም ስራሓት ብክእለት ኣብ ምትግባር ይሕግዝ።

እቶም ኣብ ስልጠና ዝሳተፉ ሰባት፡ ርጡብ ዝኾነ ንስርሖም ዝኸዉን ድሕረ ባይታ፡ ብልዑል ደረጃ ዝመሃሩሉን ኣብ ምፍጻም ስርሖም ብተደጋጋሚ ዝለማመድሉ ቦታ እዩ። እቲ ኣብኡ ዝመሃርዎ ነንሕድሕዱ በብመስመሩ ዝተታሓሓዘ፣ ብቅዓቶም ዘሐይሉሉ፣ ከምኡ ከኣ ነቲ ዝጽበዮም ስራሕ ኣብ ግምት ብምእታዉ ዝለማመድሉ ቦታን እዩ። እቶም ኣብ ስልጠና ዝሳተፉ ሰባት፣ ዘሎዎም ሕሉፍ ተሞክሮን ኣረኣእዮምን ኣብ ግምት እንዳእተዉ፣ ንኸዕብዩዎ ዝግበር እዩ።

እቶም ነዚ ዓይነት ስራሕ ኣብ ምትርጓም ዝዋስኡ ሰባት፣ ንመጻኢ ሞያዊ ስርሖም ኣብ ግምት ዘእቱ ስለዝኾነ ፣ እቶም ኣብዚ ዝካየድ ስልጠና ዝተሳተፉ፡ ነዚ ማሕበር ኩልቱር ኡንድ ሽፕራኽሚትለር ኤፋዉ ዝበሃል መስሪቶም።

እዚ ማሕበር ደድሕሪ እቲ ሞያዊ ትምህርቲ ምስተወደኣ፣ ኣብ ዕለት 22.05.2017 ተመስሪቱ። እዚ ንሓባራዊ ጥቅሚ ዝሰርሕ ማሕበር፣  ብሃገራዊ ዉሽጣዊ ኣታዊ ትካል ዝተመርመረ ኮይኑ፣ እቲ ሕጊ ማሕበር ኣብ ዕለት 12.10.2017 ኣብ መዝገብ ማሕበራት፣ ብፍርዲ ቤት ማይንስ ብወግዒ ተመዝጊቡ።