ሞንጎኛ / ዘቀራርብ ዓራቂ፦

(ብቋንቋ ላታይኒሽ ' ዘቀራርብ ' )

መስመሩ ዝሓለወ ፣ ብድልየት ዝፍጸም መስርሕ ኮይኑ፣ እቲ ዕግርግር መዕለቢ ንኽህልዎ ብምባል ብሓደ ሳልሳይ ኣካል ፣ ወገንነት ናይ ዝተባእሱ ኣካላት ዘይብሉ፣ ግን ኣብ ምፍታሕ ሽግር ዝዋሳእን ኒዝተባእሱ ወገናት ዘሰኒ ኣካል እዩ። እቶም ቡኡሳት/ዘይተሳነዩ ወገናት ብወገኖም፡ ኣብ ናይ ሓባራዊ መስርሕ ዕርቂ፣ ድሌታቶም ብምቅራብ ንኽዋስኡ ተገዲሶም ዝፍትኑን ክኾኑ ኣለዎም።

 

ሰብ ሞያ ዓረቅቲ፣ ኩነታት ርክብ ናይ ተባኣስቲ ኣካላት ድሕሪ ምጽራይ፣ ሓድሽ ንኽህሉ ዝኽእል ርክብ ወይ ክምስርቱሉ ዝኽእሉ ቀጥዕታት ድሕሪ ምስራሕ/ምሕንጻጽ፣ ኣብ ዝገብርዎ ቀጻላዊ ናይ ተባኣስቲ ምስናይ፣ ድሩት ወይ ዕጹዉ ዝመስል ዝነበረ ኩነት፣ ንቀጻሊ፣ ተዋሳእቲ ብዝተሳማምዑሉ ፍታሕ፡ ከማሓይሹሉ ዝኽእሉ ኩነታት ይፈጥር። ምሁራት ዓረቅቲ፡ መስመሩ ዝሓለወ ኣገባብ     መስርሕ ተኸቲሎም፣ ኣብቲ ዝግበሩ ዝርርባት ንቡኡሳት ወገናት እንዳሰነዩ፣ ድሌታቶም በገባብ እንዳሰርዑን፡ ምዕሩይ ኩነት እንዳፈጠሩ፡ እቲ መስርሕ ዕርቂ ዕላማኡ ከምዝዕወት ይገብሩ።

 

ንሕና ኣብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ከም ኣቀራረብቲ ኮይንና ክንዋሳእ ንኽእል፦

 

፠ ኣብ ዉሽጢ ስድራቤት

፠ ምስ ጎረባብቲ ዝህልዉ/ከጋጥሙ ዝኽእሉ ኩነታት

፠ ኣብ ጉዳይ ዉርሻ

፠ ኣብ ስራሕ ዓለም ክህሉዉ ዝኽእሉ ኩነታት

፠ ኣብ ሕ/ሰብ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ኩነታት