ብስሩዕ ኣገባብ ምስናይ ማለት ብቀዳምነት መስመር ሓሊኻ እትኽተሎ ምኽሪ ክኸዉን ከሎ፣ እቲ ዓሚል (ክሕገዝ ዘለዎ) ኩነታቱ ኣለልዩ /ኣነጺሩ፣ ባዕሉ እቲ ሽግሩ ዝፈትሓሉ መስርሕ እዩ። ኣብ መስርሕ ብሞያዊ ክእለት ዝግበር፣ ብሓባር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብምምይያጥ፣ ግምገማ ብምክያድ፣ ኣብ መጨረሻ ኣፈታትሓ ሽግራት ምሕንጻጽ ይኸዉን።

ንሕና ሓቢርና ምስ ኪኢላታት፣ ኣብቲ ሞያዊ ስራሓት ዘጋጥም ዘሎ ዕንቅፋታት / ክሰገሩ ዘለዎም፣ ከምኡዉን ሓላፍነት ዘለዎ ስራሕ ኣብ ምስካምን ምትግባርን ክንተሓባበር፣ ንጸገማት ኣብ ስራሕ ዘጋጥሙ ኣብ ምፍታሕ ንሕግዝ።