ማሕበርና ፡ ኣስተምህሮ ይህብ፣ የሰልጥን፣ ምስናይ ንወጻእተኛታት ናብ ትካላት ሓገዛቱ ይገብር፣ ምኽሪ ኣብ ዓዉድታት ቁጠባ፡ ሕ/ሰብኣዊን ፖለቲካዉን ኣርእስትታት ይህብ። ነዚ ዓይነት ንጥፈታት ዝገብር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ባህልን ቋንቋታት ነንሕድሕድ ስኒትን ዕብየትን ንኽህልዉ እዩ ።

ኣባላትና ክልተ ቋንቋታት ዝዛረቡ ኮይኖም፣ ብኪኢላታት ናይ ምትርጓም ዓቅሞም፣ ኣብ ምትርጓም ስነፍልጠቶም ብግቡእ ትምህርቲ ዝቀሰሙን፡ ብናይ ኢሃካ ትካል ዝተመርመረን ዝተመስከረሎም ምዃኑ ነረጋግጽ።

ሓቢርና ንክንሰርሕ ከም ዕላማ / መደባት ዘለና፦

  • ምስ ዞባዉያንን መንግስታዉያን ትካላት ሓቢርካ ምስራሕ

  • ምስ ዩኒቨርሲታትን ፎልክስ ሆኽ ሹለን

  • ምስ ሓበሬታ ዘርጋሕቲ ትካላት፡ ሓፈሻዊ ትካላትን ከምኡዉን ናይ ሓባራዊ ጥቅሚ ዝኽተላ ማሕበራት

  • ምስ ማሕበር ሰራሕተኛታት፣ ዝተፈላለያ ዓይነት ከምኡዉን ሓባራዊ ዕላማ ሓንጺ