ዳንኤላ ስማይትች

ዳንኤላ ስማይትች ኣደ ሰለስተ እኹላት ቆልዑ ኮይና፣ ትዉልዳ ቡልጋሪያዊት፣ ካብ 2007 ጀሚራ ምቅማጣ ኣብ ሃገረ ጀርመን፡ ብሞያኣ ማሺን ቴክኒክ እዩ።  እቲ ዝተማሃረቶ ሞያ ኣብ ቡልጋርያ ስለኾነ፡ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከምቲ ጉቡኡ እቲ ሞያኣ ተቀባልነት ኣይረኸበን። ኣብ ቤት ጽሕፈት ናይ ኣርክቴክት ትሰርሕ፡  ከምኡውን ባዕላ እተማሓድሮ፣ ኣላይት ቆልዑ ኮይና ትሰርሕ።

ምስኡ ማዕረ ማዕረ ዳንኤላ ፍልጠታን ብቅዓታን ኣብ ምዝራብ ቋንቋ ንኽተማዕብል፣ ትምህርታ ብምቅጻል፣ ብናይ ኢሃካ ትካል ከም ወግዓዊት ተርጓሚት ክትስልጥን ኪኢላ። ድሕሪ እቲ ደረጃ ክእለት ጀርመን ቋንቋኣ ናይ ኤም 2 ደረጃ ኣብ ጎተ ኢንስትቲዩት ምዉዳኣ፣ ከም ወግዓዊት ብሕጊ ዝጸደቀ፡ ሓፈሻዊ ተርጓሚት ብቃልን ብጽሑፍን ክትከዉን በቂዓ። በዚ ምኽንያት እቲ ብጽሑፍ ይኹን ብቃል ትትርግሞ፣ ሕጋዉነት ዝለበሰ (ሕጋዉነትን ሓቅነትን ማሕላ ዝተሓወሶ)ብሙሉእ ምስትዉዓልን እዩ ፣ ነዚ ዓይነት ስራሕ ከኣ ኣብ መዓልታዊ ስራሓ ተማልኦ።

ብስሩዕ ኣገባብ ምስናይ ማለት ብቀዳምነት መስመር ሓሊኻ እትኽተሎ ምኽሪ ክኸዉን ከሎ፣ እቲ ዓሚል (ክሕገዝ ዘለዎ) ኩነታቱ ኣለልዩ /ኣነጺሩ፣ ባዕሉ እቲ ሽግሩ ዝፈትሓሉ መስርሕ እዩ። ኣብ መስርሕ ብሞያዊ ክእለት ዝግበር፣ ብሓባር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብምምይያጥ፣ ግምገማ ብምክያድ፣ ኣብ መጨረሻ ኣፈታትሓ ሽግራት ምሕንጻጽ ይኸዉን።

ንሕና ሓቢርና ምስ ኪኢላታት፣ ኣብቲ ሞያዊ ስራሓት ዘጋጥም ዘሎ ዕንቅፋታት / ክሰገሩ ዘለዎም፣ ከምኡዉን ሓላፍነት ዘለዎ ስራሕ ኣብ ምስካምን ምትግባርን ክንተሓባበር፣ ንጸገማት ኣብ ስራሕ ዘጋጥሙ ኣብ ምፍታሕ ንሕግዝ።