ወ/ሮ ሆልዝብረሸር

መበቆላ ካብ ጆርዳንያን ኮይኑ፣ ቋንቋ ዓረብን ኢንግሊሽን ትዛረብ። ኤልሳቤጥ ኣህላም ሆልዝብረሸር ብትዉልዳ ጆርዳናዊት ኮይና ፣ ካብ 1994 ጀሚራ ኣብ ሃገረ ጀርመን ትነብር ፣ ብኮምፕዩተር ፕሮግራምን ስይስተም ኣናላይዝ ዝብል ላዕለዋይ ዝተማህረት ኮይና ፣ 15 ዓመታት ትገብር ኣደ ሓደ ቆልዓ ከምኡዉን ካብ ዳርጋ 10 ዓመታት(2003 ክሳብ 2012)ብወለንታኣ፣ ንመባእታ ተመሃሮ  ኣብ ምሕጋዝ ትነጥፍ ጸኒሓ።

ካብ 2012 ጀሚራ ብተወፋይነት ንስደተኛታት ምትሕግጋዝን ፣ ከምኡዉን ድሕሪ ትምህርቲ ንተማሃሮ ክወሃቡ ዝኽእሉ ሓገዛት ኣብ ምሕንጻጽን ምምዕባልን ትዋሳእ ጸኒሓ። ኣብዚ ሓባራዊ ስራሓት፡ ዝተፈላለየ ፕሮጀክትታት  ዝዳለወሉን ንጥፈታት ዝካየዱ፡ ዘጠቃለለን እዩ። ብተወሳኺ ካብ 2012 ከም ተርጓሚት ናይ ቋንቋ ዓረብ ብተወፋይነት ተገልግል ጸኒሓ። ነዚ ዓይነት ስራሓት ከኣ ምስ ቤተክርስትያናት፣ ሕክምናዊን ትምህርታዊን መንግታውያን ትካላት ኮይና ከተገልግል ጸኒሓ።

ካብ 2017 ጀሚራ ከም ሞያዊ ስራሓ ኮይኑ፣ ኣብ ምትርጓም ቋንቋታት ዓረብን/ጀርመንን ትሰርሕ። ናይ ኢሃካ ወግዓዊ ሰርቲፊኬት ንምርካብ ኣብ ጻዕሪ ትርከብ።

 

ተወሳኺ ስራሓት፦

 

2012 ክሳብ 2014 ፦  ከም ኮስመቲከሪን፡ መድረኽ ከምኡዉን ንበዓላት ዘጸብቅ ስልማት ኣብ ምግባር

ካብ 2014 ፦    ኣብ ናይ ከንሻ ቤተክርስትያን ኡንደንሃይም ከም ኣገልጋሊት ኮይና ትነጥፍ

ካብ 2018፦   ወግዓዊ ወናኒት ኢሃካ ሰርትፊኬት ብምዃና ኣብ ፎልክስ ሆኽ ሹለ ትምህር።