ሃሳን ጎሎዋህ

ሃሳን ጎሎዋህ ብ 1982 ኣብ ከተማ ኣጋዲር ማሮኮ ተወሊዱ፣ ካብ 2006 ጀሚሩ ኣብ ሃገር ጀርመን ይነብር። ኣብ ሞሮኮ  ድሕሪ ናይ ገርማኒስቲክ ላዕለዋይ ትምህርቱ፣ ብምቅጻል ኣብ ሃገረ ጀርመን ስነ  ፍልጠት / ስነ ሓሳብ ቋንቋ ጀርመን፣ እስላማዊ ስነ  ፍልጠት / ስነ ሓሳብ፣ ከመኡዉን ድህሰሳ እስላም ኣብ ዮዉሃንስ ጉተንበርግ ዩኒቨርሲቲ ማይንስ ተማሂሩ።

ካብ 2008 ኣብ ጋዉልስ ኬተሪንግ ዝበሃል ትካል፣ ኣብ ክፍሊ ሎጂስቲክ ይሰርሕ፣ ከምኡዉን ካብ የካቲት 2016 ከም መምህር ናይ ሓደሽቲ ናብ ጀርመን ዝመጹ ሰባት ብምዃን፣ ኣብ ትካል ኣርባይት ኡንድ ለበን ገገኤምበሃ ማይንስ ይሰርሕ።

ምስኡ ማዕረ ማዕረ ብተወፋይነት ንሰደተኛታት ከም ተርጓማይን ኣላይን ብምዃን ይነጥፍ፣ ንሰባት ናይ ምዝራብ ሽግር ንዘለዎም ብፍላይ ይሕግዝ። ካብ ጉንቦት 2017 ጀሚሩ ካብቶም መስረትቲ ናይዚ ማሕበር ኮይኑ፣ ከም ጸሓፊ ማሕበር ኩልቱር ኡንድ ሽፕራኽሚትለር ኤፋዉ ማይንስ እዩ።

ቋንቋታት፦ ዓረብን በርበርን